Ideas are the foundation of creation. They create everything. They are more powerful than death…
Death can never kill an idea.

ሓሳብ ኣብ መዓሙቅ ኣእምሮ እዩ ዝጽነስ ዝውለድ። ከመይ ይድረኽ? ከመይ ይብገስ? ርእሱ ዝከኣለ ከቢድ ሚስጢር እዩ። ወለዶታት ኣብ ሓሳባት ናይ ዝቐደምዎም ወለዶታት ይንሳፈፉ። ዝርአ ዘበለ፡ ኣብ ኢድ ዝጭበጥ ዝድህሰስ ዘበለ ቅድሚ ናብዚ ግኡዝ ዓለም ምግዓዙ ኣብ ሓሳባት ገለ ሰባት እዩ ተዘሪኡ ዝፈሪ። ቅድሚ ትግባረ ሓሳብ ይነቕል። ዝነቐለ ሓሳብ ይዓቢ፡ ይጎድል ይውሰኾ። ናብ ፍጻሜ ይሓልፍ፡ ኣብ ባይታ ይወርድ፡ ክውንነት ድማ ይኸውን።

ሓሳባት ናብ ዝርአ ዝጭበጥ ወይ’ውን ኣብዚ ግኡዝ ዓለም ከይሰገረ፡ ገና ሓሳብ እንከሎ ክገዝእ ዝጅምር። ገለ ሓሳብ ተፈንጃሪ ይኸውን፡ ገለ ሓሳብ ጸጋኒ’ውን ይኸውን። ገለ ሓሳብ ውርደት ህዝብታት የስዕብ፡ ገለ ሓሳብ ድማ ምስጋር ዘበስር ጋላሂ ጸላም ይኸውን።

ምህዞታት ደቂ ሰብ ኣብ ርእሲ እዮም ኣብ ፈለማ ተደሪኾም ዝብገሱ። ምስ ግዜ ድማ ኣብ መደምደምታ በጺሖም፡ ብርቂ ሓድሽ ሜላ ዘኸተሉ መስተርሆ ዝፈጥሩ።

ብኡ መጠን ውርደት ዘስዕብ፡ ኣፍራሲ ሓሳባት ክነቕል ይኽእል። ምስ ግዜ ዓኺኹ፡ እሩሩ ዝብሎ ኣእምሮ ምስ ዝረኽብ ዘይስገር ገታር ኮይኑ ይቖውም። እዚ ከምዚ ዝበለ ስነ-ሓሳብ ክመውት ወይ ውን ክእለ ኣይክእልን። ሓደው ምስ ግዜ ናብ ዝሓሸ ሓሳብ ክልወጥ ኣለዎ ወይ’ውን ብካልእ ስነ-ሓሳብ ክቕተል/ክብዳህ ኣለዎ። ገና ንከምዚ ዝበለ ውርደት ዘስዕብ ስነ-ሓሳብ ብኣግኡ ተለሊዩ ብዝሓሸ ሓሳብ ክብዳህ ጥራይ እዩ እቲ ኣማራጺ። ስለዚ ሓሳባት ዘልምዕን ዘብርስን ከም ክልተ ዝኣፉ ሴይፊ ዝምብልሑ ባህሪ ዘለዎም እዮም።

ሓደ ኣብነት ምቕራብ ይከኣል። ካርል ሄንሪክ ማርክስ ዓለምና ካብ ዝረኣየቶም ዓበይቲ ፈላስታት ሓደ እዩ። እዚ ጀርመናዊ ፈላስፋ ኣብ ፖለቲካን ቑጠባን ዝተሞርኮሰ ብዙሕ ስነ-ሓሳብ ሰንዚሩ፡ ናይ ኮሚዩኒስት ማኒፌስቶ ዝርከብዎም ሓሳባቱ ኣብ መጻሕፍቲ ሰኒዱ ሓሊፉ። ንሱ እኳ እንተሓለፈ፡ ሓሳባቱ ግና ማርክሲዝም ብዝብል መጸዊዒ ቆይሞም ክሳብ እዛ ሕጂ ዘለናያ እዋን ንድሕሪ ከባቢ 150 ዓመታት ድሕሪ ሞቱ ይሳግሙ ኣለዉ።

ንሱ ዘበገሶ ሓሳብ ብለኒንን ስታሊንን ከቢድ ድሪኺት ረኺቡ ዓባይ ሶቭየት ሕብረት ሩስያ (Union of Soviet Socialist Republics) ወሊዱ። እዚ ከም ቁልዒ ሓሳብ ዝነቀለ ኣብ መወዳእታ ነዛ ዓለም ኣብ ክልተ ደምበታት ገሚዑ ኣብ ከቢድ ምትፍናን ከምዘእተዋ ናይ ትማሊ ታሪኽ እዩ። ንስነ-ሓሳብ፡ ሞት እቲ ዘንቐሎ ሰብ ውን ከምዘይሕዞ በዚ ክንርዳእ ንኽእል። ሕጂ’ውን እዚ ስነ-ሓሳብ የገልግል ኣሎ። እዚ ሓደ ኣብነት ህያውነት ሓሳባት ክገልጽ ተባሂሉ ዝቐረበ እዩ፡፡

++++++++++++++++++++++++++
ስለዚ እቲ ንመዓልቲ ኣብ ርእሲ ዝፍጠር፡ ዝቕልቀል ሓሳብ ክዕቀብ፡ ክኹስኮስን ክጸዓተሉን ይግባእ።
ከምኡ’ውን ንሕብረተ-ሰባት ዘተፋንኑ፡ ዝርገት፡ ርግኣትን ሰላምን ዘስዕቡ ስነ-ሓሳበት ብኣቃጫጭን ነውሪ ዘረባን ዘይኮነ፡ ብካልእ ዝሓሸ ስነ-ሓሳብ ክእረሙ፡ ኤረ ገሊኦምሲ ካብ ሱሮም ክብርቖቁ ይግባእ።
++++++++++++++++++++++++++

Leave a comment