ቀይሕን ጸላምን

MossBirthday
ሻምፓንን ፍቕርን
ቀይሕን ጸላምን
እምበኣር ሓዋዊስካ
ኣብዒልካዮ ልደትካ

24 ግንበት
ናይ ሓፋሽ ዕለት
መዓልቲ ሓርነት
ትርጉማ ዝሰኣነት
መርሖ ልኡላውነት
ሃገር ዝወለደት
ክብርቲ ጽንብል?
ግርምቢጥ ኩነት
ናይ ትካዘ ሰሓቅ
ሓዘናዊ ብስራት
ድባብ ርኽሰት
ከፋቲት
ሓድሽ ምዕራፍ
ባርነታዊ ናጽነት

ከመይ’ከ ኣቢልካ
ምላድካ ከተብዕል
ናይ ውልቕካ
ውራይ ክትጽንብል
ዛንታ በይንካ
ኮይና ክትጥቕለል
ሓለንካ
ሰራዕካ ጸበል

ብሓደ ኢደይ
ደጊፈ ምዕጉርተይ
ንንሳ ዘከርኩ
ከምዚ ከኣ በልኩ
ርእሰይ ‘ናነዛነዝኩ

ኣየ’ታ
እዚ ዚሃንደሰት
ብዓሰርተታት
ንኣሽቱ ሽምዓታት
ሙቐት ፍቕሪ
ንቅድሜካ ዝኾለዐት
ይሃባ ክብሪ
እዚ እሙን ፈጣሪ

ንስኻ ድማ
ኣንታ ሙሴ
ጎበዝ ከተማ
መዘና ኮተቴ
ነዛ ቆልዓ
ይሓግዘካ ስላሴ
ሰ ል ማ
ወርቂ ሰንሰለት
ኩ ነ ላ
ናይ ምንባር መቐረት
ንዘንት-እለት
ኣፍቅራ ብምልኣት

እዛ ላዋህ መሬት
ኤርትራ እተሰመየት
ፍትሒ ሰላም እምበር
ጥርሽ
በረኸት ዘይሰኣነት

ኮነ ድማ ’ቲ ኩሉ ህዝቢ
ሓደ ዝቆፋኡ ንህቢ
ገዲፉ ምትፍናን
ምስ ኣራሓበ ልቢ
ምስ ቀንዐ ቄናን
ንእሽቶ ዓብዪ
ዕድል ተሃበ ንሰላም

ከምዚ ናትካ ድማ ሙሴ

ሓድሽ ፍቕሪ
ኣብ ንሓድሕዱ ምስ ስረተ
ስላም ምግባር
ምስተማህረ
ርእሱ ምስትንባር
ምስ ከኣለ
ንምሕረት
ምስ ነቀለ
ምስ’ዛ ውልቁ
ምስ ተዓርቀ

ግርምቢጥነት ናጽነት
መሊሱ ተገረምቢጡ
ክቐንዕ‘ዩ
ኣንፈቱ ለዊጡ

የግዳስ . . .
እዛ ላዋህ መሬት
ኤርትራ እተሰመየት
ፍትሒ ሰላም እምበር
ጥርሽ
በረኸት ዘይሰኣነት

05252018

Advertisements

ህያውነት ሓሳብ

Ideas are the foundation of creation. They create everything. They are more powerful than death…
Death can never kill an idea.

ሓሳብ ኣብ መዓሙቅ ኣእምሮ እዩ ዝጽነስ ዝውለድ። ከመይ ይድረኽ? ከመይ ይብገስ? ርእሱ ዝከኣለ ከቢድ ሚስጢር እዩ። ወለዶታት ኣብ ሓሳባት ናይ ዝቐደምዎም ወለዶታት ይንሳፈፉ። ዝርአ ዘበለ፡ ኣብ ኢድ ዝጭበጥ ዝድህሰስ ዘበለ ቅድሚ ናብዚ ግኡዝ ዓለም ምግዓዙ ኣብ ሓሳባት ገለ ሰባት እዩ ተዘሪኡ ዝፈሪ። ቅድሚ ትግባረ ሓሳብ ይነቕል። ዝነቐለ ሓሳብ ይዓቢ፡ ይጎድል ይውሰኾ። ናብ ፍጻሜ ይሓልፍ፡ ኣብ ባይታ ይወርድ፡ ክውንነት ድማ ይኸውን።

ሓሳባት ናብ ዝርአ ዝጭበጥ ወይ’ውን ኣብዚ ግኡዝ ዓለም ከይሰገረ፡ ገና ሓሳብ እንከሎ ክገዝእ ዝጅምር። ገለ ሓሳብ ተፈንጃሪ ይኸውን፡ ገለ ሓሳብ ጸጋኒ’ውን ይኸውን። ገለ ሓሳብ ውርደት ህዝብታት የስዕብ፡ ገለ ሓሳብ ድማ ምስጋር ዘበስር ጋላሂ ጸላም ይኸውን።

ምህዞታት ደቂ ሰብ ኣብ ርእሲ እዮም ኣብ ፈለማ ተደሪኾም ዝብገሱ። ምስ ግዜ ድማ ኣብ መደምደምታ በጺሖም፡ ብርቂ ሓድሽ ሜላ ዘኸተሉ መስተርሆ ዝፈጥሩ።

ብኡ መጠን ውርደት ዘስዕብ፡ ኣፍራሲ ሓሳባት ክነቕል ይኽእል። ምስ ግዜ ዓኺኹ፡ እሩሩ ዝብሎ ኣእምሮ ምስ ዝረኽብ ዘይስገር ገታር ኮይኑ ይቖውም። እዚ ከምዚ ዝበለ ስነ-ሓሳብ ክመውት ወይ ውን ክእለ ኣይክእልን። ሓደው ምስ ግዜ ናብ ዝሓሸ ሓሳብ ክልወጥ ኣለዎ ወይ’ውን ብካልእ ስነ-ሓሳብ ክቕተል/ክብዳህ ኣለዎ። ገና ንከምዚ ዝበለ ውርደት ዘስዕብ ስነ-ሓሳብ ብኣግኡ ተለሊዩ ብዝሓሸ ሓሳብ ክብዳህ ጥራይ እዩ እቲ ኣማራጺ። ስለዚ ሓሳባት ዘልምዕን ዘብርስን ከም ክልተ ዝኣፉ ሴይፊ ዝምብልሑ ባህሪ ዘለዎም እዮም።

ሓደ ኣብነት ምቕራብ ይከኣል። ካርል ሄንሪክ ማርክስ ዓለምና ካብ ዝረኣየቶም ዓበይቲ ፈላስታት ሓደ እዩ። እዚ ጀርመናዊ ፈላስፋ ኣብ ፖለቲካን ቑጠባን ዝተሞርኮሰ ብዙሕ ስነ-ሓሳብ ሰንዚሩ፡ ናይ ኮሚዩኒስት ማኒፌስቶ ዝርከብዎም ሓሳባቱ ኣብ መጻሕፍቲ ሰኒዱ ሓሊፉ። ንሱ እኳ እንተሓለፈ፡ ሓሳባቱ ግና ማርክሲዝም ብዝብል መጸዊዒ ቆይሞም ክሳብ እዛ ሕጂ ዘለናያ እዋን ንድሕሪ ከባቢ 150 ዓመታት ድሕሪ ሞቱ ይሳግሙ ኣለዉ።

ንሱ ዘበገሶ ሓሳብ ብለኒንን ስታሊንን ከቢድ ድሪኺት ረኺቡ ዓባይ ሶቭየት ሕብረት ሩስያ (Union of Soviet Socialist Republics) ወሊዱ። እዚ ከም ቁልዒ ሓሳብ ዝነቀለ ኣብ መወዳእታ ነዛ ዓለም ኣብ ክልተ ደምበታት ገሚዑ ኣብ ከቢድ ምትፍናን ከምዘእተዋ ናይ ትማሊ ታሪኽ እዩ። ንስነ-ሓሳብ፡ ሞት እቲ ዘንቐሎ ሰብ ውን ከምዘይሕዞ በዚ ክንርዳእ ንኽእል። ሕጂ’ውን እዚ ስነ-ሓሳብ የገልግል ኣሎ። እዚ ሓደ ኣብነት ህያውነት ሓሳባት ክገልጽ ተባሂሉ ዝቐረበ እዩ፡፡

++++++++++++++++++++++++++
ስለዚ እቲ ንመዓልቲ ኣብ ርእሲ ዝፍጠር፡ ዝቕልቀል ሓሳብ ክዕቀብ፡ ክኹስኮስን ክጸዓተሉን ይግባእ።
ከምኡ’ውን ንሕብረተ-ሰባት ዘተፋንኑ፡ ዝርገት፡ ርግኣትን ሰላምን ዘስዕቡ ስነ-ሓሳበት ብኣቃጫጭን ነውሪ ዘረባን ዘይኮነ፡ ብካልእ ዝሓሸ ስነ-ሓሳብ ክእረሙ፡ ኤረ ገሊኦምሲ ካብ ሱሮም ክብርቖቁ ይግባእ።
++++++++++++++++++++++++++

Meley . . . the legitimate Eritrean flag.

meley

ልዕሊ እቲ ማራኽነታ፡ እቲ ሕጋውነታ፡ ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ሓቂፋቶ ዘላ ረዚን ተልእኾ ፍትሕን ሓቅን፡ ተባሃጊት ሰንደቕ ዕላማ ይገብራ። ንጽህና እቲ ሕብርታታ፡ ብሩህ ሃወኽ ዘይብሉ መጻኢ የንጸባርቕ፡፡ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ኩለንትናዊ ሓርነት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ። 23 ሰነ 2016

Smolder Persistent


Bizarre feelings found a sluice to my soul
rinsing the whole me to the brim
so esoteric, never ticked; no body
I assumed it is only for me

Now that there is no any retrospective glance
it forced my consent to assent
kneel I’m, watching its flame
that never cease, smolder persistent
till the day, I raise my head
fathom fully
embrace my dream
I choose to wreck my self
and painstakingly be cautious
with a strong conviction
stoke fiercely inside

One day, oh yeah one day
I will reach there
to the high hills
with songs of triumph

……………………….
Asmara – Dec 28, 2011
Michael B. Abraha | Zoar

መንግስታትን ዝሓለፍክወን ሃገራትን

… መንግስታትን ዝሓለፍክወን ሃገራትን …
ሕቶ፡ ኣብ ህይወትካ ክንደይ ሃገራትን መንግስታትን ኢኻ ሪኢኻ?

IMG_0592
ስፍሕ ዝበለ መልሲ፡
ብጠቕላላ ሹዱሽተ ሃገራት ርእየ ኣለኹ። ካልኦት ውን ዝራእኽወን ሃገራት ይህልዋ ይኾና ግና ንጸጥታዊ ስግኣተይ ወይ ውን ርግኣተይ ክብል ኣይጠቕሰንን እየ።
ብመጀመርታ ተወሊደ ናብ ኤርትራ እየ መጺኤ። ኣብቲ ዝተወለድክሉ እዋን እኳ (ሓቂ ምዝራብ ይሓይሽ) ኤርትራ ትበሃል ንክትህሉ ቃልሲ እዩ ዝነበረ እምበር ኤርትራስ ኣይነበረትን። ስለዚ ናብ ሃገረ ኢትዮጵያ እየ ተወሊደ። ደሓር ናጽነት ኮይኑ ዝነበርናዮ ቦታ ኤርትራ ኮይኑ ሓዲሩ። ዝነበርናዮ ክፍሊ ደጊምናዮ፡ ግና ብቋንቋ ኣዴና። እቲ ቀደም’ውን ኤርትራ እዩ ዝበሃል ዝነበረ፡ ደሓር ደኣ ብኸም ገለ ኢትዮጵያ ተባሂሉ እምበሪ። ቅድሚ ቀደም እባ ክኣ ብዙሕ ኣስማት ነይርዎ ይበሃል ከም እኒ መረብ ምላሽ፡ ምድሪ ፑንቲ፡ ንግስነት ኣክሱም፡ ዳዓመት … ወዘተ። በዓል ኣዱሊስ፡ ቆሓይቶ፡ ዙላ፡ ኣክሱም፡ መጠራ ገለ ካብ ሱሙያት ቦታታት ናይቲ ቅድም ዘመን እየን ዝነበራ።

ብዙሓት መንግስታት ክሳብ ሕጂ ርእየ ኣለኹ። ብሰላም ክልወጡ ወይ ስልጣን ክሰጋገር ግና ኣብዚ ልዕሊ ፍርቒ ዘመን ኣቕጺሩ ዘሎ ህይወተይ ጥራሽ ኣይራኣኹን። ኣይተዓደልኩን ጸኒሐ። ኣብቲ ዝተወለድኩሉ ስፍራ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሻዕብያን ወያነን ካልኦት’ውን ብዓሰርተታት ዝቁጸሩ ደቐቕትን ፍርይ ዝበሉ ጉጅለታት ተነውኒዉ ሃደሽ በለ። ከባቢ 17 ዓመታት ብማሕብርነት ዝብል ስነሓሳብ ዓፊኑ ዝነበረ ስልጣን እዩ። ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኤርትራ፡ ግዚያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ቕሩብ ጸኒሑ ግና ምሉእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሓደ ሸነኽ ደርጊ ዝገዝኣሉ ዝነበረ ስፍራ ተተኺሉ። እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ክሳዕ ሕጂ፡ ከባቢ 25 ዓመታት ኣቕጺሩ፡ ኮይንዎ ግዝያዊ ኮይኑ ሽሙ ዓቂሙ ይሳግም ኣሎ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝኣተኹሉ እዋን’ውን ኣዝዩ ግዜ ወሲዱ ኣሪጉ ቆንቂኑ ዝነበረ መንግስቲ ዑመር በሺር እዩ ጎፍ ኢሉኒ። ገለ ምስግጋር ስልጣን ከይርኣኹ ድማ ካብኡ ተኣልየ። ናብ ሃገረ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን፡ እቲ ምስ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ እግሪ ዝተኸለ መንግስቲ ድሮ 3ይ ምርጫ ገይሩ፡ ብባህርያዊ ሞኽለፍቲ እቲ ርእሲ ተኣልዩን ንዑኡ ዝምስል ተኪኡን ጸንሓኒ እምበር ገለ ሰለማዊ ምስግጋር ስልጣንሲ ኣይረኣኹን። ኣይሰማዕኩን’ውን (ሓቂ ይሓይሽ)። ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መንግስቲ ክቕየር ወይ ድማ ስልጣን ክርከብ ከም ኣምር ድማ ክትሓስቦ ውን ዘይባህርያዊ ተራኽቦ ስለ ዝኾነ ከጋጥመኒ ኣይኮነለይን። ናይ ቀረባን ርሑቕን መደብ ምስግጋር ዘይብሉ፡ ከምኡ ኢሉ ንዘመናት ዝቕጽል እዩ ዝመስል። ግና ካብተን ዝሓለፍክወን ሃገራትሲ ከምዚኳ ይሓይሽ። ፍጥር ኢልካ ኣብታ ሃገር፡ ቁጽሪ ባንክ ሕሳብካ ዝንገረኻ። ‘ዘይስልጡን’ ህዝቢ ግና ስልጡናት ከተማታት ዝውንን፡ ሰብ ርእሰ-ማል ዝስሕብ ሃገር፡ ጉዳም! ኣብ ባሕሬን’ውን ኣብታ ርእሰ ከተማ፡ ማናማ፡ ንገለ እዋን ኣሕሊፈ እየ (ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ዝጸሓፍ እዃ እንተነበረኒ ምስ ምሕጻር ግዜ ናይተን ዝነበርክወን እዋናት ኣብዚ ኣይከጠቃልሎን እየ)።

ሕጂ ተስፋ ይገብር፡ ኣብዚ ዘለኽዎ ስፍራ ንዓመታ ብሰላም ምስግጋር ስልጣን ክርኢ ሃረር ኢለ ኣለኹ። ትዕድልተይ ዝተቐየረ ይመስል፡፡ ብርግጽ ከኣ ከምኡ ክኸውን እዩ፡ ንልዕሊ 200 ዓመታት ከምኡ ስለ ዝኾነ። ኣብታ ዝተወለድኩላ መሬት ‘ከ? ኮን ‘ዶ ኮን ገለ ተስፋ ይህሉ። ከም ኣምር ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ግና፡ ስልጡን ህዝቢ ስልጥንትን ብልጽግትን ሃገር ይፈጥር። ኣነ ኣብዚ ተሰዲዱ ዘሎ ህዝቢ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝርከብ ብዙሕ ተስፋ ገይረ ኣለኹ። ስልጣኔ ናይተን ዘለወን ሃገራት ገለ ከም ኣባጊዕ ያእቆብ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣባትር ተተሊዉ፡ ብጨረርታ እቶም ኣብ ማእከሎም ዝነብር ዘሎ ህዝብታት፡ ዑፌታት ጸነጺትን ዓምቦሬታትን ኮይኑ ዳግማይ እንተተወለደ (ዘፍ፡ 30:39)።

ዞኣር – ሓምለ 12, 2015

ነዚ ክትግዕታ’ዶ፡ ከይደቀስክን ትሓድራ . . . (ወይ ነዚ ክትደርጻ’ዶ ትርህጻ)

…  ነዚ ክትግዕታ’ዶ፡ ከይደቀስክን ትሓድራ (ወይ ነዚ ክትደርጻ’ዶ ትርህጻ) …
ጉዳይ፡ ሽርሒ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዕለተ ልደተይ

11406926_10206878046618985_4090058182347475426_n

ወሰን ዘይብሉ ምስጋናይ ንኩሉኹም ንዕለተ ልደተይ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ዕዙዝነቱ ብምርዳእ፡ ውሑጅ ሰናይ ትምኒታት ዝፈነኽሙለይ መናብርቲ ህይወተይ።

ኣንጻር እቲ ማእለያ ዘይብሉ ብድሆታት፡ ዝተፈነወለይ ናይ እንቋዕ ኣብዚ ኣብጸሓካ ስምዕታታት በጺሑኒ እዩ። ደስ ኢሉኒ ደስ ይበልኩም፡ ሕሰም ኣይትርከቡ። ኣነ ቅር ከይበለኒ ክሓልፍ ዘይከኣለ፡ እዚ ብመርማሪ ኮምሽን ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ድርኩኺት ዕለተ ልደተይ ዝተዘርገሐ ክልተ ዝዓይነቱ ጸብጻብ እዩ። ካን ንብር ነይሮም ( ካብ 1945 ‘ዩ ዝኸውን ዘሎ ) ኣብዛ ወርሒ ሰነ፡ እሞ ክኣ ጥቃ ዕለተ ልደተይ፡ 28 ገጻት ዝሓዘለ ጽሟቕ ትሕዝቶን 484 ቆጽሊ ወረቐት ዝሽፍን ዝርዝራዊ ሸፈነ ዘለዎ፡ ርጡብ ሜላ መጽናዕቲ ዝሓዘለ ጸብጻብ ዓሎቕን መሰረታዊ ጃምላዊ ግህሰታት መሰል ሰብ ኣብ ኤርትራን ምስ ዝተዳቐቀ ሓበሬታን ምስክርነታትን ኣሰንዮም ምዝርግሖም እዩ። እዚ ብርግጽ ነቲ ዓመት ዓመት ብድምቀት ዝበዓል ዕለተ ልደተይ፡ ንክድብዝዝ ዝዓለመ ብምዃኑ፡ ብኣሉታ ጸልይዎ እኳ እንተኾነ፡ በቲ ሓደ ወገን ክኣ መናብርቲ ህይወተይ በዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ደገ ውዲታትን ህሉው ዓውለማዊ ሽርሕታትን ከይተሰናበዱ ጽምድኦም ብምሕያል ንዕለተ ልደተይ ዝኸውን ኣኸል ተረፍ ምሽብሻባት ክገብሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብክብሪ ምዝካሮም ናይ ሓበናት ሓበንን ርሁው መጻእን ደረት ራህዋን ኣብ ቅድመይ ከምዘሎ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ንማንም ብሩህ ኮይኑ ይርከብ። ( <<- ክትነውሕ ኮይና እዛ ምሉእ ሓሳባት፡ ዘይትርድኣካ)

ኣብ ከምዚ ዓይነት ሃዋሁ ዕለተ ልደተይ ብድምቐት ይብዓል ምህላዉ፡ ረዚን ፍናን ዝድርብ ተወሳኺ ድሪኺት ፈጢሩ እዩ። ይኹን እምበር ማሕበረ ሰብ ዓለም፡ እዚ ካብ ኣውራ ጉዳያት ዕለተ ልደት ንምህዳም ዝኽተሎ ዘሎ ሜላ ምዃኑ ዘጉልሕ'ዩ ክብሉ ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ( በዓል ክስቶ ማለት እዩ) ኣረዲኦም።

ርሑስ ዕለተ ልደት! ወትሩ ምስ ረሓሰ! ኣሜን!
(ዓወት ንሓፈሽ! ይጸሓፎ ድዩ እዚ? እንድዒ . . . ኣመል እንድዩ ኮይኑና)

Translation in a nutshell
I’m pleased to have so many wonderful birthday wishes and I would like to say thank you so much! Join me on twitter and follow on FB as I’ve scheduled this weekend for my birthday celebrations! (ስራሕ ደኣ እቶ ከይብሉና እምበር)

ዞኣር – ሰነ 12, 2015